ናብ ኣብ ሙሉእ ሳክሶኒ ዝሰርሕ መስመር ቴለፎንና
ደውሉ።

0341 306 907 77

ወይ ከዓ ብናይ ኢሜይል ኣድራሻ
beratung@adb-sachsen.deፅሓፉልና።

ካብ ሰኑይ - ዓርቢ ካብ ሰዓት 9 ቅ.ቀ. ክሳብ 1ድ.ቀ.
ከምኡ’ውን ካብ ሰዓት 2 ድ.ቀ. ክሳብ 4 ድ.ቀ.
ብቴሌፎን ክትረኽቡና ትኽእሉ።

ኣብ ናይ ማዕዳ ማእከልና ቆጸራ ብመልክዕ ጠለብ
ምትሓዝ ይከኣል።

ቤት ጽሕፈት ማእከል ማዕዳ ጸረ-
ኣፈላላይ ሳክሶኒ

“ንነብሰይን ንካልኦትን ንኽንጠርዕ ከተባብዕ እደሊ።
ናይ ክብረት ጉዳይ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኣፈላላይ ካብ
ክትቃለሶ ክትጽመሞ ይኸብድ።”

ሰባት ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ከም ክፍሊ-ገዛ ክደልዩ
ከለዉ፡ ኣቕሑት ክሽምቱ ከለዉ፡ ኣብ ሕክምና፡ ኣብ
ስራሕ፡ ምስ ኸባብያዊ በዓል መዚ ኣብ ዝራኸቡሉ፡
ኣብ ባቡር ኣፈላላይ ይገጥሞም እዩ። ኣፈላላይ፣ ኣብ
መልክዕ ወይ ሕብሪ ቆርበት፣ ቋንቋ፣ ብሄር፣ ጾታዊ
መንነት፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ሃይማኖት ወይ እምነት
ከምኡ’ውን ኩሉ ዓይነት ጉድለት ኣካል መሰረት
ዝገብረ ምፍላይ ወይ ምጭናቕን ዝኾነ ዓይነት
ዘይምቹው እ ኣተሓሕዛ ኢልና ንገልጾ።
ንሕና ኣብ’ዚ ዘለና ኣንጻር ኣፈላላይ ብድፍረት
ንክትዛረብን መሰልካ ከተረጋግጽን ኢና ክንሕግዘካ
እዩ።

ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ክትዛረብ እትኽእለሉ ባይታ
ነዳሉ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከመይ
ከምትቕጽል ኣብ ምውሳን ንሕግዘካ። መደብ
ስጉምቲታትካ ኣብ ምምዕባልን ኣብ ግብሪ ምውዓልን
እውን ንሕግዘካ። ብብዝሒ እነቕርቦም ሓገዛት ከም
ምጽሓፍ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ምሕታት ጸብጻብ
ሓበሬታን ሜላ ኣመራርሓን(ፖሊሲ)፡ ምድላው
ኣኼባን ሽምግልናን ከምኡ’ውን ሕጋዊ ስጉምቲ
እንተወሲድካ ድማ ቀረባውን ሞራላውን ሓገዛት
እዮም።

ኣፈላላይ ምስ ዝገጥመካ ርኸበና። ሕጋዊ ስጉምቲ
ንምውሳድ ጥብቂ ክትውድኣሉ ዝወሃበካ ናይ
መወዳእታ ግዜ ስለዘልዎ ብዝተኻእለ መጠን
ቀልጢፍካ ርኸበና።

ግልጋሎትና ነጻን ምስጢራውን እዩ። ወፈያታት
ምልጋስ ቅቡል እዩ።

ቋንቋታት ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ስጳኛ፣ ፋርስ
ከምኡ’ውን ቱርኪ ንዛረብ ኢና። ናይ ምልክት ቋንቋ
ሓዊሱ ተርጎምቲ ካልኦት ቋንቋ ኣብ እዋን ጠለብ
ኣለው።

ቤት ጽሕፈትና ብዓል መንኮርኮር መንበር (ንስንኩል
ወይ ሕሙም ዚኸውን) ንዝጥቀሙ’ውን ንምእታው
ዝምችው እዩ።

“ብዛዕባ እዚ ግልጋሎት ምኽሪ ኣቐዲመ እንተዝፈልጥ
ነይረ ነገራት ክሳብ ክንድዚ ኣይምማዕበሉን ነይሮም።
ንነብሰይ ክከላኸል ኣቐዲመ ምጀመርኩ ነይረ።”

ርክብ

ለይፕዚግ

Antidiskriminierungsbüro Sachsen e. V.
Seeburgstraße 20
04103 Leipzig

ቴሌፎን: 0341/ 306 907 77

ኢ-ሜይል: beratung@adb-sachsen.de

ቆጸራታት ብጠለብ ጥራይ ይተሓዙ።

መውረዲ ባቡር: Wilhelm-Leuschner-Platz,
Roßplatz

ኬምኒዝ

Antidiskriminierungsbüro Sachsen e.V.
Jakobikirchplatz 2
09111 Chemnitz

ቴሌፎን: 0371/ 433 084 61

ኢ-ሜይል: chemnitz@adb-sachsen.de

ቆጸራታት ብጠለብ ጥራይ ይተሓዙ።

ድረስደን

Antidiskriminierungsbüro Sachsen e.V.
Seminarstraße 13
01067 Dresden

ቴሌፎን: 0351/ 481 981 37

ደብዳበ: dresden@adb-sachsen.de

ቆጸራታት ብጠለብ ጥራይ ይተሓዙ።

ኢንተርናሽናል ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ:

DE43830654080004630246
ባንኪ: ደች ስካትባንክ ኣልተንበርግ
ኮድ መለለዪ ዓይነት ባንኪ: GENODEF1SLR